tigrean-displaced-from-gonder

Emergency response task force for displaced Tigreans

ተግባሪት ኮሚቴ ረድኤት ተመዛበልቲ ተጋሩ
Emergency Response Task Force for Displaced Tigreans
Washington, DC

መፀዋዕታ ሓገዝ ንተመዛበልቲ ተጋሩ

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፣ ብሰንኪ ፕሮፓጋንዳ ምጥፋእ ዘርኢ ፀረ-ሰላም ፀረ-ማዕርነትን ፀረ-ሓድነትን ፅንፈኛ ሓይልታት ተፈጢሩ ብዘሎ ንትግራዋይ መንነት ዝጠመተ ሕሱም መጥቃዕቲ፣ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ዘጥረዩዎ መነባብሮኦም ገዝኦምን ንብረቶምን ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ እናኣተዉ ይርከቡ፡፡ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ተጋሩ ናብ ትግራይ ዝኣተዉ እንትኾን በብማዕልቱ ቁፅሮም ብበዝሒ ይውስኽ ኣሎ፡፡

ብምዃኑ እውን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ እንነብር ተወለድቲ ትግራይ፣ ብወገንና ክንገብሮ እንኽእል ዜግነታዊ ግድነትና ንምፍፃም፤ ብተበግሶ ግዱሳት ተጋሩ፣ ዋሽንግተን ዲሲ ማእኸላ ዝገበረት ረድኤት እተተኣኻኽብ ተግባሪት ኮሚቴ ኣጣይሽና ካብ ባሕቲ መስከረም 2009 ኣትሒዙ ብዕሊ ምንቕስቓስ ምጅማርና ዝፍለጥ እዩ፡፡ ቀንዲ ዕማም እዛ ተግባሪት ኮሚቴ እውን ንኩሎም ተወለድቲ ትግራይ ሰሜን ኣሜሪካ ብምትሕብባር፤ ንቶም ብፕሮፓጋንዳ ምጥፋእ ዘርኢ ዝተሳቐዩ፣ ኣደዳ መግረፍትን ፀርፍን፣ ከምኡ ድማ ሞትን መቑሰልትን ዝኾኑ ተመዛበልቲ ወገናትና ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ ምትእኽኻብ እዩ፡፡

ንዙይ ንምትግባር እውን ሕጊ ኣሜሪካ ብዝፈቕዶ ኣሰራርሓ ካብ ታክስ ነፃ ዝኾነ ገንዘባዊ ሓገዝ ንተመዛበልቲ ተጋሩ ንምትእኽኻብ ዘኽእል ሒሳብ ባንኪ ዝተኸፈተ እንትኸውን፤ ንኹሎም ዝግበሩ ወፈያታት ሕጋዊ ቅብሊትን፣ ንወፈይቲ ድማ ንምንካይ ታክስ (Tax deduction) ዝሕግዝ ወረቐት ምስክርነትን ተዳልዩ ኣሎ፡፡ ስለዙይ ኣብ ዝተፋላለያ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ እንነብር ተወለድቲ ትግራይ፤ ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ ኣብ ልዕሊ ወገናትና ንዝበፅሐ ኣረሜኔያዊ ግፍዒ ግበረ-ምላሽ ምእንታን ክንህብ፤ ሰንበት 2 ኦክቶበር 2016 ማእኸሉ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ገይሩ ኣብ ዝካየድ ምድላው ምውህላል ሓገዝ፤ ዜግነታዊ ብፅሒትና ንኽነበርክት ብኽብሪ ንዕድም፡፡

ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ዝኾንና ተወለድቲ ትግራይ፤ ሰንበት 2 ኦክቶበር 2016፣ ሰዓት 2:00PM ኣትሒዙ ኣብ 903 South Highland Street, Arlington, VA 22204 ኣብ ኣዳራሽ ኢትዮጵያን ኮሚዩኒቲ (ECDC) ኣብ ዝካየድ ፍሉይ ምድላው ምውህላል ሓገዝ ንተመዛበልቲ ተጋሩ፤ በኣካል ተረኺብና ብንጥፈት ንኽትሳተፍ ንዕድም፡፡ ኩልና ተጋሩ ማዕረ ከም ሰብ ዋኒን ክንርከበሉ ዝግባእ መድረኽ ስለዝኾነ፤ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣሜሪካን ካናዳን እትነብሩ ተጋሩ እውን ኣብ ዘለኹምዎ ኮይንኹም ኣብ’ዙ ጉዳይ ኩላትና ዝኾነ መድረኽ ብእተን ኣብ ታሕቲ ዝተጠቐሳ ቁፅሪታት ስልኪ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም፡፡

ብቼክ ወይ ብትእዛዝ ክፍሊት (Money order) ንዝግበር ሓገዝ Displaced Tigreans Fund ንክብሃል፤

ኣብ Bank of America ብስም Displaced Tigreans Fund ተባሂሉ ናብ ዝተኸፈተ ሒሳበ ባንኪ ብቐጥታ ንምእታው (direct bank deposit) ወይ ድማ ብPayPal ኣካውንት ንምውፋይ፤ ብእተን ኣብ ታሕቲ ዝተጠቐሳ ቁፅሪታት ስልኪ መረዳእታ ንክትሓቱ እናሓበርና፤ መረዳእታ ወፈያ ናብ ፖስታ ወይ ኢሜል ኣድራሻና ስደዱልና፤

ካብ ውልቀ ሒሳብ ባንኪ ብቐጥታ ንምውፋይ (Bill pay)፤ ቀፂሉ ብዘሎ ስምን ኣድራሻን ፈንድ ተመዛበልቲ ተጋሩ ብምውፋይ፤ መረዳእታ ወፈያ ናብ ፖስታ ወይ ኢሜል ኣድራሻና ልኣኹልና፡፡

Displaced Tigreans Fund
901 South Highland Street, #:301
Arlington, VA 22204

ተግባሪት ኮሚቴ ረድኤት ተመዛበልቲ ተጋሩ
ቁፅሪታት ስልኪ (301) 787-9869, (571) 242-7749,
(703) 956-0610, (571) 344-1335
Email: Tftegarus@verizon.net

You may also like...