tsadkan-photo-1-720x340

ቅልውላው ኢትዮጵያ ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ እንተዘይተፈቲሑ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝፍጠር ኢታ ማጆር ሹም ነበር ጀነራል ጻድቃን ኣጠንቂቖም – Part 2

[audio src="http://av.voanews.com/clips/VTG/2016/09/08/c21e72ad-3b67-4cfe-a91e-7a3dfd9d74ec.mp3" /]

ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ካብ ናይ ሓደ ውድብ ዓቕሚ ንላዕሊስለዝኾነ መንግስቲ ስርሑ እናቐፀለ ከሎ እጀታ ኣለና፤ጉዳይ ኢትዮጵያ ይምልከተና እዩ ዝብሉኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ወገናትን ኮፍ ኢሎም ብሓባር ክፈትሕዎ ኣለዎምይብሉ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ለቴናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

እቲ ሕዚ ዘሎ ዕግርን ዓመፅን እናበርትዐ ከይዱ መንግስቲ ካብ ዝቆፃፀሮ ዝኽእል ንላዕሊ ኮይኑ ናይ ምቕፃልን ኣብ ልዕሊኡ ድማ ናይ ደገ ሓይልታት ኢዶም እንተድኣ ኣእትዮምሉ መንግስቲ ከም መንግስቲ ዓዲ እናመሓደረ ክቕፅል ዘይኽቕለሉ ኩነታት ክሳብ ምብፃሕ ክኸይድ ይኽእል እዩ ይብሉ ጀነራል ፃድቃን።‘’ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ ብዘለኒ ሓበሬታ ኢህወዴግ ኣብ ውሽጡ ውሱን ምምሕያሽ ብምግባር ዝቕፅል እዩ ዝመልስኒ።እዚ ዘላቒ ሰላም ከምፅእ እዩ ዝብል እምነት እውን የብለይን’’ ኢሎም።

You may also like...